ናይ ሓበሬታ ብሮሹር ቫይሊኽ ትሃውስ ሚደን-ብራባንት
ዘቤታዊ ጎነጽ፣ ግህሰት ሕጻናትን ግህሰት ኣረጋውያንን ብብዝሒ የጋጥም እዩ። ኣብ ቫይሊኽ ትሃውስ [Veilig Thuis] ውሕስነት ቅድሚ ኹሉ እዩ ዝስራዕ። ነፍስወከፍ ሰብ ውሑስ ናይ ገዛ ኩነታት ንኽረክብ መሰል ኣለዎ። ኣብ ጽግዕተኛነት ዝምድናታት ንዝፍጠር ዕቱብ ወይ መዋቕራዊ ዝኾነ ዘይውሕስነት ደው ንኸነብሎ ድማ ናትና ሓላፍነት እዩ።
ውሑስ ገዛ፣ ብሓባር ኢና እንገብሮ!
ቫይሊኽ ትሃውስ ሚደን-ብራባንት [Veilig Thuis Midden-Brabant] ንኹሉ ዝኸውን እዩ። ንቆልዑት፣ ንመንእሰያት፣ ንበጽሒታትን ንኣረጋውያንን። ስለዚ ግዳይ እንተኾይንኪ፣ ካልእ ሰብ (ምናልባት) ግዳይ እንተኾይኑ፣ ወይ ንስኻ/ኺ ባዕልኻ/ኺ ጎነጽ እንተድኣ ተጠቒምካ/ኪ። ቫይሊኽ ትሃውስ፣ ዘቤታዊ ጎነጽን ግህሰት ሕጻናትን ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ምኽሪ፣ ሓገዝ ወይ ደገፍ ንምሃብ እዩ ኣብኡ ዘሎ። ሓገዝ ትደልዩ ወይ ብዛዕባ ካልኦት ትሻቐሉ እንተድኣ ኮይንኩም ድማ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ምናልባት እቲ ጸገማት ድሮ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ክኸውን ይኽእል፣ ወይ ድማ ጥርጣረ ጥራይ ክህልወኩም ይኽእል። በጽሒታት ወይ ቆልዑት ውሑስነት የብሎምን ኢልኩም ትሓስቡ ትኾኑ፣ ግን ድማ ርግጸኛ ኣይኮንኩምን። ነፍስወከፍ ሰብ ንደቁን ንዝፈትዎም ሰባትን ብጽቡቕ ክከናኸን ከም ዝደልይ ርግጸኛታት ኢና፣ እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ኣይሰልጥን እዩ። ስለዚ ድማ ብሓባር ብምዃን ነገራት ከም ዝመሓየሹ ክንገብር ኢና ንደልይ።
ቫይሊኽ ትሃውስ እንታይ ይገብር?
ናይ ፍታሕ ቀዳማይ ስጉምቲ ብዛዕባኡ ምዝራብ እዩ። ኣብ እትድውልሉ እዋን፣ ሰራሕተኛ ናይ ቫይሊኽ ትሃውስ ግዜ ወሲዱ ንታሪኽኩም ክሰምዕን ምሳኹም ብሓባር ብምዃን ፍታሕ ንምርካብ ክሰርሕን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ምኽሪ እኹል እዩ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ሓገዝ ምሕታት ብልሒ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ብቫይሊኽ ትሃውስ መርመራ ክግበር የድልይ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ እዋን መርመራ፣ ቫይሊኽ ትሃውስ ብዝተኻእለ መጠን ምስቶም ዝምልከቶም ሰባት ብምትሕብባር ይሰርሕ። ከምኡ ዘይከኣል ምስ ዝኸውንን፣ ብድሕነት ምኽንያት ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑን ድማ፣ እቶም ዝምልከቶም ሰባት ከይተሰማምዑ መርመራ ከነካይድ ንኽእል ኢና። ናብቶም ሰባት ንኸይድ፣ ንኹሎም ኣባላት ስድራ-ቤት ድማ ንሰምዕን ነዘራርብን። ምስቶም ዝምልከቶም ሰባት ብሓባር ብምዃን ነቲ ግህሰት ደው ንምባል እንታይ ከምዘድልይ ንርእይ። ምድዋል ኩሉ ግዜ ጽቡቕ እዩ። ዋላ እቲ ዝረኣኹሞ ንቡር ምዃኑን ዘይምዃኑን ዘጠራጥረኩም እውን እንተኾነ። ዝኾነ ጥርጣረ ምስ ዝህልወኩም፣ ምኽሪ ንምርካብ (ስም ብዘይምግላጽ) ደውሉ።
ዘቤታዊ ጎነጽ እንታይ እዩ?
ዘቤታዊ ጎነጽ ኣብ መንጎ (ናይ ቀደም) መጻምድቲ፣ ወለዲ/ኣለይቲን ቆልዑትን፣ ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ኣቦ/እኖ-ሓጎን ደቂ ደቆምን ዝፍጸም ጎነጽ እዩ። ኣብ ነፍስወከፍ ዝምድና ሓደ ሓደ ግዜ ግርጭት የጋጥም እዩ። ግን እቶም ነገራት ብሓቂ እንተተፈንጂሮም’ ከ? ኣደራዕ ጽፍዒታት ምስ ዝወርዱ፣ ንመዓልታት ስቕታ ምስ ዝቕጽል፣ ወይ ቀጻሊ ጸርፊታት ምስ ዝህሉው? መጻምድትኻ/ኺ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ወይ ገንዘብ ንኽትህቦ/ባ ምስ ዘገድደካ/ኪ? ወይ ናበይ ከም እትኸዲን ምስ መን ከም እትዛረቢን ምስ ዝቆጻጸረኪ? ሰባት ብዛዕባ ዘቤታዊ ጎነጽ ብቐሊሉ ኣይዛረቡን እዮም፣ ዳርጋ ፍርቂ ካብ ኩሎም ኔዘርላንዳውያን ግን እዚ ኣብ ሓደ እዋን የጋጥሞም እዩ። ዘቤታዊ ጎነጽ ኣይከኣልን እዩ፣ ኣይፍቀድን ድማ እዩ። ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ፣ ከምኡ እውን ንገዛእ-ርእስኻ/ኺ፣ ንስድራ-ቤትካ/ኪ ወይ ኣብ ከባቢኻ/ኺ ንዘለዉ ሰባት ተሓሊቕካ ደው ናይ ምባል መሰልን ግዴታን ኣለካ/ኪ።
ግህሰት ሕጻናት እንታይ እዩ?
ግህሰት ሕጻናት ብዝኾነ መልክዕ ዝግበር ግህሰት ኮይኑ፣ ንቆልዓ ዘስግእ ወይ ጎነጻዊ ተግባር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግህሰት ሕጻናት ኣብ ዘቤታዊ ዓንኬል እዩ ዘጋጥም። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቆልዓ ክንክን ንምርካብ ኣብ ዝምርኮሰሎም ካልኦት ቦታታት እውን፣ ንኣብነት ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ወይ ስፖርታዊ ክለብ። መብዛሕትኡ ግዜ ከም ውጽኢት ዓቕምኻ ምጽንቃቕ ዘጋጥም እዩ። ወለዲ ወይ ኣለይቲ ደጊም ነቲ ንቆልዓ ዝገብርሉ ክንክን ንኸማልኡ ዓቕሚ ምስ ዝጽንቅቚ፣ ባህርያቶም ካብ መስመር ክወጽእ ይኽእል እዩ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ግህሰት ክስዕብ ይኽእል። ንኣብነት ኣደራዕ ጽፍዒታት ይወርዶም፣ ሕጻናት መግቢ ኣይወሃቦምን፣ ወይ ኣንጻሮም ዝግበር ምጭዳር ክህሉው ይኽእል። ሰባት ብዛዕባ ግህሰት ሕጻናት ብቐሊሉ ኣይዛረቡን እዮም፣ ነፍስወከፍ ዓመት ግን ቆልዑት ብሰንኪ ግህሰት ወይ ጎነጽ ይሞቱ እዮም። ግህሰት ሕጻናት ኣይከኣልን እዩ፣ ኣይፍቀድን ድማ እዩ። ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ፣ ከምኡ እውን ንቆልዑት ተሓሊቕካ ደው ናይ ምባል መሰልን ግዴታን ኣለካ/ኪ።
ኣብነታት ዘቤታዊ ጎነጽን ግህሰት ሕጻናትን፡
• ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ግህሰት፤
• ጎነጽ (ብናይ ቀደም) መጻምድቲ፤
• ዘቤታዊ ጎነጽ ብዓይኖም ዝርእዩ ቆልዑት፤
• ጾታዊ ዓመጽ፤
• ዕሽሽ ምባል፤
• ፋይናንሳዊ ምዝመዛን መስመሩ ዝሰሓተ ዘይወግዓዊ ክንክንን፤
• ብቆልዓ ኣንጻር ወለዲ ዝፍጸም ጎነጽ።
ኣብ www.veiligthuismiddenbrabant.nl ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
(ዝጠርጠርኩዎ) ዘቤታዊ ጎነጽ ወይ ግህሰት ሕጻናት ምስ ዝህሉው እንታይ ክገብር ይኽእል?
• ንምልክታት ዘቤታዊ ጎነጽ ወይ ግህሰት ሕጻናት ብዝምልከት ክፉት ኩን። ገለ ነገር የጋጥም ኣሎ ዝብል ስምዒት እንተሃልዩካ፣ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሓቂ እዩ። ምናልባት ነቲ ነገር ንስኻ ጥራይ ትርእዮ ዘለኻ ዘይኮንካስ፣ የግዳስ ብዛዕብኡ ቀዳማይ ገለ ነገር ትገብር ዘለኻ ኢኻ።
• ምስቶም ዝምልከቶም ሰባት ተዘራረብ። ዘቤታዊ ጎነጽ ወይ ምግሃስ ሕጻናት መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢት ዓቕምኻ ምጽንቃቕ ምዃኑ ኣስተውዕል። ነቶም ዝምልከቶም ሰባት ንምድጋፍ ኣብኡ ብምህላው ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ሰማዒ እዝኒ ብምቕራብ።
• ምኽሪ ንምርካብ (ስም ከይገለጽካ) ናብ ቫይሊኽ ትሃውስ ደውል። ሰራሕተኛ ናይ ቫይሊኽ ትሃውስ ምሳኻ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክዘራረብን፣ ዝቕጽል ስጉምትታት እንታይ ምዃኑ ምሳኻ ክመያየጥን እዩ። ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ ድማ ብወግዒ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ፋይል ናይ ምርኣይ መሰልን ጥርዓን ምቕራብን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ መርበብ- ሓበሬታና www.veiligthuismiddenbrabant.nl ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ሓበሬታታት ምርኣይ? ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታና ተወከሱ፣ ወይ ድማ ኣብ ቫይሊኽ ትሃውስ ንዝርከብ ናትኩም ተጸዋዒ-ሰብ ሕተቱ።
ጥርዓን? ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታና ተወከሱ፣ ወይ ድማ ኣብ ቫይሊኽ ትሃውስ ንዝርከብ ናትኩም ተጸዋዒ-ሰብ ሕተቱ።
ኩሉ ግዜ ክትድውሉልና ትኽእሉ ኢኹም፡
ቁጽሪ ተሌፎንና፡ 0800 2000 (ብነጻ)።
ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ እውን ምሳና ቻት ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።
በዚ ዝስዕብ ኢ-መይል ክትሰዱልና ትኽእሉ ኢኹም፡ info@veiligthuismiddenbrabant.nl
ኣድራሻና እዚ ዝስዕብ እዩ፡ Paleisring 144 Postbus 16 | 5000 AA Tilburg
ኣብ መርበብ-ሓበሬታ እውን ተወከሱ፡ www.veiligthuismiddenbrabant.nl
ውሑስ ገዛ፣ ብሓባር ኢና እንገብሮ!
ቋንቋ ኔዘርላንድ ዘይትዛረቡ እንተድኣ ኮይንኩም፣ ወይ ሓሳብኩም ብቋንቋ ኔዘርላንድ ክትገልጹ ዘጸግመኩም እንተድኣ ኮይኑ፣ ብቋንቋ ክሕግዘኩም ዝኽእል ሰብ ከም ዝህልወኩም ኣረጋግጹ። ሰራሕተኛታት ናይ ቫይሊኽ ትሃውስ ቋንቋ ኔዘርላንድ ጥራይ እዮም ዝዛረቡ።